2022-08-11 09:21:07
︎✎ እሙን ኣፍቓሪ
↻┈┈◦◎✧◎◦ ┈┈↺
ንዓሰርተ ዓመት ፍቅሪ ዝሰበኸ ከልቢ፡
ኣብ ታሕቲ ምስሉ እንምለከቶ ዘላና ምስሊ ከልብን ምስሊ ሓወልትን ኣብ ሃገረ ጃፓን ኣብ ማእከል ከተማ ተክዮ ኣብ መደበር ባቡር ዝርከብ እዩ።
እዚ ንዓስረተ ዓመታት ፍቅሪ ዝሰበኸ እሙን ከልቢ እሙን ብምኻኑ ብጃፓናውያን ብጣዕሚ ፍትው እዩ፡ ካብ ምፍታዎም ዝተላዕለ ብስሙ ብዙሓት ኣብያተ ምግብታት ዝተጸወዓ ኣለዋ፡ ኣብ ሙዜየም ዝርከብ ካብ ነሓስ ዝተሰርሑ ሓወልትታት ውን ይርከቡ። ብጃፓናውያን ውን ብዛዕባ እሙን ምዃን ከም ምሳሌ ተገሩ ውን ይውሰድ እዩ። ብዛዕብኡ ውን ብዙሕ መጻሕፍቲ ፡ፊልምታት ድራማታት ተሰሪሑ እዩ፡ ካብቲ ብዙሕ . . .
• Hachi a dogs tate’ ብ2009 ካብ ዝተሰርሓ ፊልምታት ሓንቲያ። ናይ ዚ ከልቢ ስሙ ሃቺኮ hachiko ተባሂሉ ክጽዋዕ ከሎ ዋንኡ ድማ ፕሮፌሰር ኢድስቡሮ ዮኖ (hidesaburo ueno) ይባሃል።
ፕሮፌሰር ንኸልቡ ብፍቕሪ ተንከባኺቡ እዩ ኣዕቢዎ። ሃቺኮ ውን ዋንኡ ኩሉ ግዜ ንግሆ ናብቲ ዝምህረሉ ዩንቨርስቲ ክኽከይድ ከሎ ምስኡ ክሳብ ታ ዝስቀልላ መደበር ባቡር ኣፋኒዎ ይምለስ ናይ ምሸት ድማ ናብ ታ ዘፋነዎ መደብር ባቡር ከይዱ ይቅበሎ ነበረ።
ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ግን ብዕለት 05/03/1935 እቲ ከልቢ ነቲ ፕሮፌሰር ንግሆ ኣፋንዩ ከም ልማዱ ምሸት ክቅበሎ ናብቲ መደበር ባቡር ከደ ኣብኡ ውን ተጸበዮ ፡ እቲ ፕሮፌሰረ ግን ናብ ስርሑ ምስ ከደ ሃንደበት ብድኻም ልቢ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ ከይ መጸ ተረፈ። ምምቱ ዘይፈለጠ ተዛሪብካዮ ክርዳእ ዘይክእል ሃቺኮ ዋንኡ ክመጽእ እዩ ኢሉ ምጸባይ ከይቋረጸ ተጸበዮ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ኣተጸበየን ፡ ክልተ መዓልቲ ተጸበየ ፡ ክልተ መዓልቲ ጥራሕ ውን ኣይኮነን ተጸብዩ ፡ ኣዋርሕ ተጸበየ ፡ ኣዋርሕ ጥራሕ ውን ኣይኮነ ተጸብዩ እንታይ ደኣ ክሳብ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝፈለ ተጸበየ ። ኣብታ ዘፋነዎም መደበር ባቡር ንዋንኡ እንዳ ተጸበየ ዓስርተ ዓመት ገበረ ኣብኣ ውን ሞተ ።
ጃፓናውያን ነዚ ጅግና ናይ ፍቅሪ መምህር ኢሎም ዝሰመይዎ ከልቢ ፡ ኣብ ታ ንዋናኡ እንዳ ተጸበየ ዝመተላ መደበር ባቡር ቦታ ሓወልቲ ተሰሪሑሉ ይርከብ ናይ’ቲ ቦታ ስም ድማ “ statue of hachiko” ተባሂሉ ይጽዋዕ ።
“ ሰብ ኣብ ሕይወቱ ልክዕ ከምቲ ከልቢ ንጎይትኡ እሙን ዝኾነ ኣብ ሃይማነቱ ፡ሓዳሩ ፡ ስርሑ፡ ዕርክነቱ እሙን ክኸውን ይግባእ ።” ፍቕሪ ቃላት ስለ ዝደደርካ ዘኮነ ተግባር እዩ ዝጠልብ፡
ኣነ ንስካ ንስኪ፡ ንስለ ፍቕሪ እንታይ ምከፈልና፧
ብሩክ መዓልቲ Yግርበርልና! ︎𓁙
ብkidane Baraki
#share
join us @Tigrigna_literature
584 views06:21