🔥 Burn Fat Fast. Discover How! 💪

Mekelle Gerami picture

Logo of telegram channel mekellegeramipic — Mekelle Gerami picture M
Logo of telegram channel mekellegeramipic — Mekelle Gerami picture
Channel address: @mekellegeramipic
Categories: Uncategorized
Language: English
Subscribers: 3.46K
Description from channel

In this channel we do like to show you mekelle through out the scope
-Any photo taken by pros
-comments
-any photo u want us to edit ? contact us using

Admin 👉 @Bazen29
🌟 @Mekelle_gerami_pic_bot 🌟

Ratings & Reviews

2.00

2 reviews

Reviews can be left only by registered users. All reviews are moderated by admins.

5 stars

0

4 stars

0

3 stars

1

2 stars

0

1 stars

1


The latest Messages

2022-08-13 15:52:43
ቅነ ኣሸንዳ

Photo by : 2 in 1 studio
(Tsigab)

Join us @Tigrigna_literature
624 views12:52
Open / Comment
2022-08-11 16:22:30
ኣዶ ትግራይ ብ1868

Via: Hadgi
717 views13:22
Open / Comment
2022-08-11 15:17:59
እዞም ትርእይዎም ዘለኩም ኣዶ ምስ ወደን ከይመስለኩም።
ወዲ 31 ዓመት ካይሌ ጆነስ "ኣነ ንሓዳር ዝምነያ ጓል ብዕድመ ካባይ ዝበለጸት፣ ኣብ ክሳዳ ዝተሸምረረ ቆርበት ዘለዋ፣ ስብየት ጸጉሪ ዘለዋ ክትከውን ኣለዋ" ብምባል ምስ ብዕድመ ዓባዩ ዝኣክላ ጓል 91 ዓመት #ማጆሪኒ ሓዳር ካብ ዝምስርቱ ዓመታት ኣቑጺሮም ይርከቡ።
"ከም ወደይን በዓል-ቤተይን እየ ዝሪኦ" ዝብላ ወ/ሮ ማጆሪኒ ቅድሚ 37 ዓመታት ምስ ናይ መጀመርታ ሰብኣየን ምስተፈትሓ ንፈለማ እዋን ምስ ብ60 ዓመት ኣፈላላይ ዘለዎም መንእሰይ ካይሌ ጆነስ ሓዳር ምግባረን ሕጉስቲ ምኻነን ይዛረባ።
በዚ ምኽንያት እዞም መጻምዲ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ፍሉያት ሰብ-ሓዳር ሓደ ክኮኑ ክኢሎም እዮም።
ሪኢቶኩም ጸሓፍሉና

Source:ካልኦት 10 ኣገረምቲ ፍሉያት ሰብ ሓዳር ንምርኣይ እዛ ሊንክ ተጠቐሙ።


651 views12:17
Open / Comment
2022-08-11 09:21:07 ︎✎ እሙን ኣፍቓሪ
↻┈┈◦◎✧◎◦ ┈┈↺

ንዓሰርተ ዓመት ፍቅሪ ዝሰበኸ ከልቢ፡
ኣብ ታሕቲ ምስሉ እንምለከቶ ዘላና ምስሊ ከልብን ምስሊ ሓወልትን ኣብ ሃገረ ጃፓን ኣብ ማእከል ከተማ ተክዮ ኣብ መደበር ባቡር ዝርከብ እዩ።
እዚ ንዓስረተ ዓመታት ፍቅሪ ዝሰበኸ እሙን ከልቢ እሙን ብምኻኑ ብጃፓናውያን ብጣዕሚ ፍትው እዩ፡ ካብ ምፍታዎም ዝተላዕለ ብስሙ ብዙሓት ኣብያተ ምግብታት ዝተጸወዓ ኣለዋ፡ ኣብ ሙዜየም ዝርከብ ካብ ነሓስ ዝተሰርሑ ሓወልትታት ውን ይርከቡ። ብጃፓናውያን ውን ብዛዕባ እሙን ምዃን ከም ምሳሌ ተገሩ ውን ይውሰድ እዩ። ብዛዕብኡ ውን ብዙሕ መጻሕፍቲ ፡ፊልምታት ድራማታት ተሰሪሑ እዩ፡ ካብቲ ብዙሕ . . .
• Hachi a dogs tate’ ብ2009 ካብ ዝተሰርሓ ፊልምታት ሓንቲያ። ናይ ዚ ከልቢ ስሙ ሃቺኮ hachiko ተባሂሉ ክጽዋዕ ከሎ ዋንኡ ድማ ፕሮፌሰር ኢድስቡሮ ዮኖ (hidesaburo ueno) ይባሃል።
ፕሮፌሰር ንኸልቡ ብፍቕሪ ተንከባኺቡ እዩ ኣዕቢዎ። ሃቺኮ ውን ዋንኡ ኩሉ ግዜ ንግሆ ናብቲ ዝምህረሉ ዩንቨርስቲ ክኽከይድ ከሎ ምስኡ ክሳብ ታ ዝስቀልላ መደበር ባቡር ኣፋኒዎ ይምለስ ናይ ምሸት ድማ ናብ ታ ዘፋነዎ መደብር ባቡር ከይዱ ይቅበሎ ነበረ።
ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ግን ብዕለት 05/03/1935 እቲ ከልቢ ነቲ ፕሮፌሰር ንግሆ ኣፋንዩ ከም ልማዱ ምሸት ክቅበሎ ናብቲ መደበር ባቡር ከደ ኣብኡ ውን ተጸበዮ ፡ እቲ ፕሮፌሰረ ግን ናብ ስርሑ ምስ ከደ ሃንደበት ብድኻም ልቢ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ ከይ መጸ ተረፈ። ምምቱ ዘይፈለጠ ተዛሪብካዮ ክርዳእ ዘይክእል ሃቺኮ ዋንኡ ክመጽእ እዩ ኢሉ ምጸባይ ከይቋረጸ ተጸበዮ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ኣተጸበየን ፡ ክልተ መዓልቲ ተጸበየ ፡ ክልተ መዓልቲ ጥራሕ ውን ኣይኮነን ተጸብዩ ፡ ኣዋርሕ ተጸበየ ፡ ኣዋርሕ ጥራሕ ውን ኣይኮነ ተጸብዩ እንታይ ደኣ ክሳብ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝፈለ ተጸበየ ። ኣብታ ዘፋነዎም መደበር ባቡር ንዋንኡ እንዳ ተጸበየ ዓስርተ ዓመት ገበረ ኣብኣ ውን ሞተ ።
ጃፓናውያን ነዚ ጅግና ናይ ፍቅሪ መምህር ኢሎም ዝሰመይዎ ከልቢ ፡ ኣብ ታ ንዋናኡ እንዳ ተጸበየ ዝመተላ መደበር ባቡር ቦታ ሓወልቲ ተሰሪሑሉ ይርከብ ናይ’ቲ ቦታ ስም ድማ “ statue of hachiko” ተባሂሉ ይጽዋዕ ።
“ ሰብ ኣብ ሕይወቱ ልክዕ ከምቲ ከልቢ ንጎይትኡ እሙን ዝኾነ ኣብ ሃይማነቱ ፡ሓዳሩ ፡ ስርሑ፡ ዕርክነቱ እሙን ክኸውን ይግባእ ።” ፍቕሪ ቃላት ስለ ዝደደርካ ዘኮነ ተግባር እዩ ዝጠልብ፡
ኣነ ንስካ ንስኪ፡ ንስለ ፍቕሪ እንታይ ምከፈልና፧

ብሩክ መዓልቲ Yግርበርልና! ︎𓁙
ብkidane Baraki
#share

join us @Tigrigna_literature
584 views06:21
Open / Comment
2022-08-11 09:21:07
516 views06:21
Open / Comment
2022-08-06 09:38:35
ንክትሰምዖ ዘደንጽው ፍጻመ
ብዙሓት ርእሰ-ቕትለት ክፍጽሙ ምኽንያት ዝኮነት ደርፊ....
~~
Gloomy Sunday ብዝብል ርእሲ ትፍለጥ ንጽል ደርፊ ዝሰምዑ ሰባት ንደራፊኣን ገጣሚኣን ሓዊሱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ነብሰ-ቕትለት ከም ዝፈጸሙ እንትስማዕ ንምእማኑ ዘጸግም ክከውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር እዚ ክስተት ዓለም ካብ ዘደንገጹን ዘደንጸዉን ፍጻሜታት ሓደ ካብ ምኻኑ ኣይተረፈን። ብ1933 ኣብ ሃገረ ሃንጋሪ ብደራሲ ዜማ #ሬሶ_ሶሬስ ተደሪሳ ናብ እዝኒ ሰማዕቲ ዝበቕዐት እዛ ደርፊ ፈለማ ግጥሚ እታ ደርፊ ብቋንቋ ሃንጋሪኛ ተጻሒፉ ብምንባሩ ኣብ ዓለም እዚ ዝበሃል ተፈላጥነት ኣይነበራን። ግጥሚ እዛ ደርፊ ብላዝሎ ዣቮር ዝተብሃለ ጸሓፊ ግጥሚ ተቐይሩ ናብ ኢንግሊሽ ቋንቋ ተቶርጊማ ንካልኣይ ጊዜ ናብ እዝኒ ሰማዕቲ ተዘርግሐት። ድሕሪኡ ሰባት ነዛ ደርፊ ክሰምዑ ጸኒሖም ገሊኦም ንገዛእ ሂወቶም ባዕሎም የጥፍኡ ገሊኦም ድማ ናይ ኣእምሮ ጭንቐት ከምዝሕዞም ይዝረብ።
ምኽንያቱ ድማ ግጥምን ዜማን እዛ ደርፊ ብዘለዎ መሕዘኒ ቃና ሰባት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ናይ ሓዘን ስምዒቶም ኮርኪራ ብምውጻእ ክሓዝኑ ብምግባር ክሳብ ርእሶም ከጥፍኡ ዝደፋፍእ ሓይሊ ኣለዋ ዝብሉ ኣለው። ገሊኦም ድማ ኣብዛ ደርፊ ሰይጣናዊ መልእኽቲ ብምህላው ፣እዚ ሕማቕ መንፈስ ኣእምሮ ሰማዕቲ እታ ሙዚቃ ብምቁጽጻር ነብሰ-ቕትለት ክፍጽሙ ዝደፋፍኦም ሰይጣናዊ ሓይሊ ኣለዋ ዝብል ካልእ ዝተፈለየ ግምት እውን ይግለጽ።
ፍልፍል ሓበሬታና፡ ብዝበለጸ ናብዛ ሊንክ ኣቲኩም ታሪኽን ኣመጻጽኣን እዛ ደርፊ ብሰፊሑ ምስማዕ ትኽእሉ


758 views06:38
Open / Comment
2022-08-06 09:38:07
ሮበርት ሙጋቤ ምስታ 6 ቆልዑ ዝወለደትሉ በዓልቲ-ቤቱ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ መንጎኦም ዘይምርድዳእ ይፍጠር። በዓልቲ-ቤቱ ምሒር ተናዲዳ ክዳውንታ ክትጥርንፍ(ክትእክብ) ጀመረት። በተግባራ ዝተገረመ ሙጋቤ ንምንታይ ክዳውንታ ትጥርንፍ ከምዘላ ይሓታ። ንሳ ድማ" ድሕሪ ሕጂ ምሳካ ምንባር ይኣከልኒ፤ይወጽኣልካ ኣለኩ.. ናብ ኣደይ ክከይድ እየ" በለቶ። ሙጋቤ እውን ናብቲ መደቐሲ ክፍሊ ብምእታው ክዳውንቱ ጠርነፈ። በዓልቲ-ቤቱ ንሳ እውን ተገሪማ 'ንስኻ ከ ደኣ እንታይ ትገብር ኣለኻ?" በለቶ።
ሙጋቤ "ኣነ እውን ናብ ኣደይ ክኸይድ እየ" ይብላ።
"ቆልዑ በይኖም ገዲፍካ ናበይ ኢኻ ትኸይድ?" ኢላ እንትሓቶ ሙጋቤ ትቕብል ኣቢሉ "ንሳቶም እውን ናብ ኣዲኦም ምኻድ ይኽእሉ እዮም" በላ።


ጩራ ወጋሕታ
#share
join us @tigrigna_literature
637 views06:38
Open / Comment
2022-07-31 13:29:36
ትግራይ ዓደይ ዓዲ ሊቃውንቲ
ኣጆኪ ክወግሕ እዩ ሓደ መዓልቲ
1.0K views€¥፬፪, edited  10:29
Open / Comment
2022-07-30 20:44:50
1.0K views€¥፬፪, 17:44
Open / Comment
2022-07-30 16:58:55 ብርዒ ትግርኛ
እዚ Telegram ቻነል በቲ ልዕሊ ዝኾነ ክቡር ቋንቋና ትግርኛ ዝተፈላለዩ ስነ-ጽሑፋት ዝቐርብሉ ብሉጽ ቻነል እዩ። ዛንታታት ፍቕሪ
ኣለበምቲ ጽሑፋት
ኣገረምቲ ክስተታት
ፍልስፍናዊ ጽሑፋት
ኮታስ ኩሉ ዓይነት ንደቒ ሰባት ጠቐምቲ ዝበሃሉ መደባት ዝቐርብሉ ቻነል እዩ።


ተጸንበሩታ(Join us) @tigrigna_literature

T.me/tigrigna_literature
979 views€¥፬፪, 13:58
Open / Comment